- National Dialogue for building democracy in Eritrea
- The United States Should Openly Support Regime Change in Eritrea:
- ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
- ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
- መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
- “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Characteristics of Chauvinism መለልይታት ጸብለልትነት
- Democratic Federalism its advantages and disadvantages
- ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ
- ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
- The Disappearance of the Eritrean Cabinet of Ministers? – Part 2
- The Disappearance of the Second Eritrean Cabinet of Ministers? Part One
- ግርም እባ ናብ ስልጣን ቅድድም
- Today: Bologna protest march demanding human rights in Eritrea
- ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
- ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
- Experience of Eritrean National Unity and modes of transition to democracy in Eritrea?
- ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
- በወርሒ 10 ሓምለ 1952 ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ብዛዕባ መለይ እንታይ ይብል
We have 97 guests and no members online
ሓተታ
- Details
- Written by: ዛራ ማና
ህግደፍ ብንቕሓት፡ ብእምነት፡ ብምርጫ ዜጋታት ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኡ ኣገዲዱ ብግፋ ብራዕዲ ብዝኣከቦ ሓይሊ ሰብ ዝሓበጠ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። እቶም ኣባላተይ ዝብሎም፡ ንሳቶም ድማ ውድብና መንግስትና ዝብልዎ መብዛሕቲኦም ምርጫ ኣልቦ ግዱዳት’ዮም። ንሱ ብሓቂ ኣባላተይ ዘብል፡ ንሳቶም ’ውን ውድብና መንግስትና ዘብል ናይ መትከል ናይ ፖለቲካዊ መስመር ዝምድና የብሎምን። ህግደፍ ብዘለዎ ዓመጻዊ ሓይሊ’ዩ ብመን ሓታቲ ኣለኒ ኣብ ክንዳኦም ዝዛረብ። ንሳቶም ፖለቲካዊ ነጻነት ዘይብሎም ዝሩዓት ክንሶም ፈሪሖም’ዮም መን ከማኻ ዝብልዎ። ቃል ኪዳኖም ኣብ እምነት ዘይኮነ ኣብ ሓይልን ፍርሕን ዝተመሰረተ’ዩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
ፖለቲካ ኤርትራ መበገሲኡን መደምደምታኡን ጠፊኡ ኣሎ። ብካልእ ኣዘራርባ መንገዲ ዓወትን ጥፍኣትን ወይ ህዝባውን ጸረ-ህዝብን ኣረኣእያታት ተደዋዊሱ ብዙሓት ንምፍላዩ ኣብ ዝተጸገምሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና። ካብ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ፡ ካብ ሚዛናዊ ተረድኦ ዘይብገስ ማለት፡ ንመን ሃሪሙ ንመን ከም ዘድሕን ኣበይ ከ የዕርፍ ዘይፍለጥ፡ ብይበሃል ኣሎ ይኸዱ ኣለው፡ ተለኪሙ ዝስዕብ ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ናይ ጣሕመሽመሽ ጉዕዞ’ዩ። ሰብኣውን ፖለቲካውን ሓልፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ፡ ብህንጡይነት ብኣጉል ጃህራ ኣብ ኣፍካ ዝመጽኣልካ ንዝሃረመ ይህረም ከም ዘለዎ ምድርጓሕ። ናይ ውልቀ ሰብ፣ ውድብ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ስም ከየጥፍእ፡ ክብሪ ከይዳፋእ፡ ሕጊ ከይጥሕስ ዝብል ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ብዘይብሉ ንበል ጥራሕ ንኺድ ጥራሕ። እንታይ ትብል ሓሳብ ከይተጸርበ፡ ናበይ ትኸይድ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣንፈተ ፖለቲካ ከይተነጸረ፡ ብሓሳብ ከይተዋሰብካ ብኣካል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምስተኣከብካ ሓደ ኢና። ካብ ኣዳራሽ ምስ ወጻእካ ብምዕቡል ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ምጽልላም ከም ቁም-ነገር ተታሒዙ ይስራሓሉ ኣሎ።
Read more: ንዘይትኣምነሉ ፖለቲካዊ ርእይቶ ምቅዋም መሰል’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህግደፍ ስለ ዘይኣለይዎ ኢልካ ምኹናን ግን ፖለቲካዊ ድኽነት’ዩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
ተጋ/መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ተኸታቲለ ነይረ። ነቲ ብስሉን ዘይብሱልን ሕቶታት፡ እንታይ ማለቱ’ዩ ብዘየብል፡ ብዓቕሊ፡ ብህድኣት፡ ብምጡን ቃላት ብግልጺ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኣድኒቐዮ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕዝቶ ዘይሰማምዓሉ ነጥብታት’ኳ እንተሃለወኒ፡ ኣቀራርባኡ ግን ብሓቂ መሲጡኒ። ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ንጹህ ሕልና ዝመንጨወ ኮይኑ ግን ፖለቲካዊ ብስለት ዝጎደሎ’ዩ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጠንቂ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ መን’ዩ? ከመይ’ከ ክፍታሕ ይኽእል? ናብ ዝብል ዘድሃበ ኣይነበረን። ዘቤታዊ ጸገምና ቀጥታ ምስ ውድብ ህወሓት ብምትእስሳር፡ ኣብ ምምሕዳር ትግራይ ኮይንካ ምቅላስ ይከኣል’ዶ ኣይከኣልን? ህወሓት (ወያነ) ምስ’ቲ ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ኣብ ውድባት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት ሕጂ’ኸ ከመይ ክእመን ይኽእል? ብመሰረቱ’ኸ ካብ ህወሓት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢና ንጽበ? ....ወዘተ ዝብል ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ርትዓዊ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝጎደሎ ካብ ባሕሪ ጥርጠራ ዝተቐድሐ ሕቶታት’ዩ ነይሩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘይስገሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ’ዮም። ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ዘይብሉ ህዝቢ መጥመሪ ከምዘይብሉ ዕንጸይቲ’ዩ። ከመይ’ሲ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዘይብሉ። ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይብሉ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ካበይ ተበጊሱ ናበይን ብኸመይን ከም ዝይኸድ ኣይፈልጥን። መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ መንገዲ ገዲፉ፡ ኣብዘይመሰረታዊ ጉዳይ ሕድሕዱ እናተመናጨተ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረትን ምብትታንን’ዩ ዝወርድ። ስለዚ ህዝቢ ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ኣወንታዊ ጎኒ ይሃልዎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን እንተወዲቑ ኩሉ’ዩ ዝስእን። ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ምሕደራኡን ንቑሕን ብቑዕን ጎኒ ሃልይዎ፡ ዘተኣሳስሮ መለለዪ ማሕበራዊ ክብርታት ዘይብሉ ድኹም እንተኾይኑ’ውን ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ምውዳቕ ‘ምበር ንቕድሚት ናይ ምስጓም ዕድል የብሉን። ስለዚ ከኣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎም፡ ክልተ ዝመስሉ ግን፡ ሓደ ብዘይትሓደ ናይ ምቕጽል ዕድል ዘይብሎም ተመጋገብቲ መትንታት’ዮም።
Read more: ኤርትራውያን ብማሕበራዊ ክብርታትና ክንሕበን፡ ብፖለቲካዊ ኣገንዝቦናን ምሕደራናን ድማ ክንሓፍር ይግባእ።
- Details
- Written by: ኣሮን በርሀ
ህርኩት ህዝቢ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ብሰንኪ ብቁዕ መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይምርካብ፡ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ብዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ተዘሪጉ፡ ቁጠባዊ ምንጪታቱ ተመንዚዑ ብለባሙ ናብ ዓሻ ተቖጺሩ ርእሱ ኣድኒኑ፡ ገዛእ ርእሱ መሲሉ ዘይኮነ ተመሳሳሉ ክሓድር ተፈሪዱ ጸኒሑ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምቁጽጻር ወዲ-ሰብ ወጻኢ ዘይኮነ፡ ብትምህርትን ስራሕን ዝምክት ጠንቂ ምዕባሌ ክንሱ፡ ኣብ ትግራይ ግን ፈጺሙ ብዓቕሚ ወዲ-ሰብ ዘይብዳህ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ብመርገም ከም ዝመጽአ ክሳብ ዝመስል፡ ህዝቢ ዕድለዩ ኢሉ ክቕበሎን ተሰኪምዎ ክነብር ተፈሪዱ። ኣቦ ድሕረትን ድኽነትን ዘይህዝባዊ፡ ዘይደሞክራስያዊ፡ ዘይቅዋማዊ ኣድላዊ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራ’ዩ።
- Details
- Written by: ዛራ ማና
ምልክነት (ፋሽሽትነት) ልዕልነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉ፡ ፖለቲካዊ ወጽዓን ኣድልዎን ሳዕሪሩ፡ ኩለ-መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኣብ ዝተጣሕሰላ ሃገር፡ ጸቢብ ግዝያዊ ረብሓ ምድላይ ወይ ናይ ኣገንዝቦ ጸገም እንተዘይሃልዩ ኣብ ኣለሻ ፍትሒ ክእቶ ባህሪያዊ’ዩ። ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ዘይብሉ፡ ርትዓዊ ናይ ምሕሳብ፡ ነገራት ናይ ምግምጋም፡ ምምዝዛን ብቕዓት ዘለዎ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ዝተነፍጎ መሰላት ንምርካብ ኣማራጺታት ከናዲ፡ ኩነታት ክንዲ ዝፈቐደሉ ብሓሳብ፡ ብተግባር፡ ብገንዘብ ይኹን ብነዋት ኣብ’ቲ ቃልሲ ናቱ ተሳትፎ ክገብር ውዴታ ዘይኮነ፡ ካብ ጥዑይ ሕልና ዝምንጩ ርእሰ ግዴታ’ዩ።
Read more: ፍትሓዊ ኮይኮንካ ፍትሒ ምድላይ፡ ብተግባር ከይተሳተፍካ ዓወት ምጽባይ ፖለቲካዊ በለጽ’ዩ።
- ኣብ ሓንቲ ምሸት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ዝተዋደደ ናይ ቅንጸላ ትልሚ፤ ግን. . . .። ንዝኽሪ 31 ነሓሰ 1996 ዓ.ም.
- ታሪኻዊ መሰረትን ንጹር ስነ-ሓሳብን ዘይብሉ ፖለቲካን ሱር ዘይብሉ ኦምን ሓደ።
- ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉ ግድምና ገድልን ቀለማዊ ትምህርትን ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።
- ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማምና፡ ብንጹር ኣረኣእያን ሓቀኛ ምትእምማንን ‘ምበር፡ ብቑዘማን ጣሕመሽመሽን ኣይፍወስን።
- ስልጡን ኣተሓሳስባ ከይወነንካ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምቅድዳም
- ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ድማ ካልእ ሓቂ’ዩ፤
- ትማሊ ብስዉር‘‘ሎሚ ብጋህዲ‘‘ሕማም ኮሮና ዶ ክንብሎ‘‘ ሕማም መንሽሮ
- ካብ ውድብ ህዝቢ ይዓቢ ሓቂ፡ ህዝባዊ ወጽዓ ብዘይ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይፍታሕ ምርዳእ ድማ ካልእ ሓቂ’ዩ፤