ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።
ሰብን መሬትን ብትምህርቲ፣ ምርምር፣ ህርኩትነትን፣ ሓርበኝነት፣ ወዲ-ሰብ ዝተማህዙ ኣይኮኑን። ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣይፈጠረን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። መሬት’ውን ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ያ። መሬት ብዘይ ሰብ ክነብር ዝኽእል ግኡዝ ነገር’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ግን ብዘይ መሬት ክነብር ኣይክእልን።
Weiterlesen: ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።
ጋሻይ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ኣይኮነን ይዕዘብ’ውን ‘ዩ።
ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሎምን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተሉን ፖለቲከኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ርእሰ ምትእምማን ከም ዝጎድሎም ርዱእ ነገር’ዩ። ውሽጣዊ ሞራል ኮነ ፖለቲካዊ ስንቂ ስለ ዘይብሎም ከኣ ብትሕዝቶ ዘይኮነ ብምስሉነት’ዮም ዝነብሩ። ብውሽጦም ብባዶነት መንፈስ እናተሳቐዩ ግዳማዊ ምስሎም ብሓሶት፡ ጭካኔ፡ ምጉብዕባዕ፡ ከመላኽዑ ይፍትኑ።
ዘይምድምማጽ ክፉእ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።
ሰብ ኮይንካ ዘረባ ሰብ ክትሰምዕ ፍቐደኛ ዘይምዃን፡ ብኣጉል ትዕቢት ተነፊሕካ፡ ኩሉ ነገር ትፈልጥን ትፈትሕን ብዘምስል ነጻጊ ኣካላዊ ምልክት እናሓበርካ በበይንኻ ጉያ፡ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መንጸብረቕታ ‘ምበር፡ ናይ ጥዑይ ብሱል መንፈስ መግለጺ ኣይኮነን። ሰብ ኮይንካ ኣብ መንጎ ሰባት እናነበርካ፡ ክፍታሕ ዘለዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ድማ እናሃለወ ናይ ካልእ ሓሳብ ክትሰምዕ ፍቃደኛ
ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል
ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባን ጉልበትን ባርነት ድማ’ዩ ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። መቐጸልታኡን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ!
Weiterlesen: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል
ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ካልኣይ ክፋል
ንመዘኻኸሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ስምን ዝናን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ነይርና። ካልእ ክፋሉ እነሆ፡-
እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ህዝዝብን ሃገርን ብሓላፍነት ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ገይሩ’ዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣምንን
ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ።
እንሳሳ ከም ህይወት ዘለዎ ፍጡር መጠን፡ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ። ክበልዕ ክሰቲ ድማ፡ ከከም ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ፡ ናብ ሳዕሪ፡ ፍረታትን ስጋን ዝረከበሉ ክኸይድ፡ ኣብ በዓቲ ጉድጓድ ድዩ ጫካ ድማ ክሰፍር ኣለዎ።