ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።

Veröffentlicht: Mittwoch, 13. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሰብን መሬትን ብትምህርቲ፣ ምርምር፣ ህርኩትነትን፣ ሓርበኝነት፣ ወዲ-ሰብ ዝተማህዙ ኣይኮኑን። ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣይፈጠረን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። መሬት’ውን ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ያ። መሬት ብዘይ ሰብ ክነብር ዝኽእል ግኡዝ ነገር’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ግን ብዘይ መሬት ክነብር ኣይክእልን።

Weiterlesen: ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርብሑ ምህርቲ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን።

ጋሻይ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ኣይኮነን ይዕዘብ’ውን ‘ዩ።

Veröffentlicht: Mittwoch, 13. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሎምን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይኽተሉን ፖለቲከኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታት ርእሰ ምትእምማን ከም ዝጎድሎም ርዱእ ነገር’ዩ። ውሽጣዊ ሞራል ኮነ ፖለቲካዊ ስንቂ ስለ ዘይብሎም ከኣ ብትሕዝቶ ዘይኮነ ብምስሉነት’ዮም ዝነብሩ። ብውሽጦም ብባዶነት መንፈስ እናተሳቐዩ ግዳማዊ ምስሎም ብሓሶት፡ ጭካኔ፡ ምጉብዕባዕ፡ ከመላኽዑ ይፍትኑ።

Weiterlesen: ጋሻይ የመስግንን የመጉስን ጥራሕ ኣይኮነን ይዕዘብ’ውን ‘ዩ።

ዘይምድምማጽ ክፉእ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።

Veröffentlicht: Donnerstag, 07. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ሰብ ኮይንካ ዘረባ ሰብ ክትሰምዕ ፍቐደኛ ዘይምዃን፡ ብኣጉል ትዕቢት ተነፊሕካ፡ ኩሉ ነገር ትፈልጥን ትፈትሕን ብዘምስል ነጻጊ ኣካላዊ ምልክት እናሓበርካ በበይንኻ ጉያ፡ ናይ ድሕረትን ውድቀትን መንጸብረቕታ ‘ምበር፡ ናይ ጥዑይ ብሱል መንፈስ መግለጺ ኣይኮነን። ሰብ ኮይንካ ኣብ መንጎ ሰባት እናነበርካ፡ ክፍታሕ ዘለዎ ሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ድማ እናሃለወ ናይ ካልእ ሓሳብ ክትሰምዕ ፍቃደኛ

Weiterlesen: ዘይምድምማጽ ክፉእ ፖለቲካዊ ሕማም’ዩ።

ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል

Veröffentlicht: Donnerstag, 07. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ምስ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝመጽኣሉ ብሓፈሻ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ወተሃደራዊ መደይ ምስ ዝነበሮም ትብዓትን ተወፋይነትን መንጽር ክረአን ክምዘንን እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝገርም፡ ኣዝዩ ድማ ዘሕፍር’ዩ። ካብ ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ዝወረደ ውድቀት’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ካልእ ሃገር ዘይተራእየ ናይ ኣተሓሳስባን ጉልበትን ባርነት ድማ’ዩ ኣብ ዝብል ምስ በጻሕና’ዩ ተቛሪጹ ነይሩ። መቐጸልታኡን ናይ መወዳእታን ክፋሉ ድማ እነሆ። ሰናይ ንባብ!

Weiterlesen: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ክፋል

ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ካልኣይ ክፋል

Veröffentlicht: Donnerstag, 07. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ንመዘኻኸሪ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ፡ ማእከሉ ናይ ውልቀ ሰብ ስምን ዝናን ምቅንጃው’ዩ። ከይደ እንተኢሉ ከኣ ጉጅላዊ ረብሓ ብዘምጽእ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ዝተቓነይ’ዩ። ተግባሩ ድማ ፋሽሽታዊ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ ዘይህዝባውነቱ፡ ዘይሕጋውነቱ፡ ፋሽሽታዊ ተግባሩን መግለጺ ድማ፡ ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳዊ ባህሪኡ’ዩ ኣብ ዝብል ኢና በጺሕና ነይርና። ካልእ ክፋሉ እነሆ፡-

እዚ ናይ ጥፍኣት ዕስለ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ህዝዝብን ሃገርን ብሓላፍነት ናይ ምምራሕ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ገይሩ’ዩ ገዛእ ርእሱ ዝኣምንን

Weiterlesen: ብዛዕባ ትማልን ጽባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ። ካልኣይ ክፋል

ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ።

Veröffentlicht: Donnerstag, 07. November 2019 Geschrieben von ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

እንሳሳ ከም ህይወት ዘለዎ ፍጡር መጠን፡ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ። ክበልዕ ክሰቲ ድማ፡ ከከም ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ፡ ናብ ሳዕሪ፡ ፍረታትን ስጋን ዝረከበሉ ክኸይድ፡ ኣብ በዓቲ ጉድጓድ ድዩ ጫካ ድማ ክሰፍር ኣለዎ።

Weiterlesen: ብዛዕባ ትማልን ጻባሕን ዘይሓስብ እንስሳ ጥራሕ’ዩ።