- “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
- Eritrea: President Isaias’s aims in Sudan
- ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
- Eritrea: National Service is inextricably linked to practices similar to slavery – Dr Mohamed Abdelsalam Babiker
- Der Nationaldienst in seiner jetzigen Form ist untrennbar mit Zwangsarbeit und der Sklaverei ähnlichen Praktiken verbunden
- Eritrea’s missing Swiss Ambassador tracked down
- ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡ ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡
- ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
- Eritrea’s Diplomatic Missions are Instruments of Extortion and Intimidation
- Eritrean riots in Norway ‘unacceptable’ – Prime Minister
We have 48 guests and no members online
ሓተታ
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ዓይኒኻ ንዝረኣዮ ዘይምእማን ምስ ሓቂ ምግጫው’ዩ። ኣብ ዝባንካ ብዝዓርፍ ናይ ዓመጽቲ በትሪ ዘይምቕንዛው ብስለት ወይ ትዕግስቲ ዘይኮነ፡ መግለጺ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት’ዩ። ካብ መስመር ሓቂ ኮብሊሎም ሓሶት ከሳስዩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ፡ ከም ተባዕታይ ኣድጊ ብበትሪ እናተቐጥቀጡ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ከገልግሉ ወትሩ ሕራይ ዝለመዱ ዜጋታት ዘለውዋ ሃገር፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ክትከይድ ብኩለንተንኣ ክትቆስል ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ባርነት ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ። ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ባርነት፣ ናይ ስጋዊ ርክብ ባርነት፣ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ገለ ኣብነታት’ዮም። ባርነት ጉልበታዊ ዕዮን ባርነት ስጋዊ ርክብን ብውሕዱ ኣስገዳዳዊ ባህሪ ዘለዎም ባርነታት ክኾኑ እንከለው፡ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ግን ብድሌት ዝፍጸም ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ባርነት’ዩ።
- Written by: ትርጉም ዓ.ኢ
ኣዳላውን ዘርጋሕን ኣትላንቲክ ሚድያ ኢንስዩራንስ
ኒል ካብ ኣፍላጋት ኣፍሪቃ ዝነውሐ ፈለግ ኮይኑ፡ ኣስታት 11 ሃገራት ብምስንጣቕ፡ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዙ ናብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝፈስስ፡ መዋእሉ ድማ ከምኡ ኢሉ ዝጎዓዝን ዝፈስስን ባህሪያዊ ሃብቲ’ዩ።
- Written by: ብፍስሃ ናይር
ናጽነትን ሉዑላውነትን ሕዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ምስ ተረጋገጸ፣ ኤርትራ ብዓለምለኸ ከምሉዑላዊት ሃገር ምስተፈልጠት፣ድሕሪኡ ዝሰዓበ እቲ ክኽወን ዘነበሮ መእዋጅ መረታዊ ዶብን፣ ኣቋቁማ ሃገረ ኤርትራን፣ ኣቋቁማ መንግስታዊ ቅርጻን፣ ሕዝባውን ግላውን ትካላት፣ በብመዳዩ ማለት ፖሊቲካውን ፣ምጣነሃብታውን ፣ማሕበራውን ንባህርያዊ ክብረታት ዚጋታት ኤርትራ ማዕረን፣ፍትሕን፣ ሰላምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተው ኣጀማምራ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ መን ዘምጻልካ ናጽነት ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ፈቲኻ ጸሊእካ ንሕና ኢና ንገዝኣካ ብዝብል ትምክሕታውን ጸብለልታውን ስለዝነበረ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን፣ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘቈጥዕ ባርባራዊ ተግባራትን፣ሕዝቢ ኤርትራ ሓሳባቱ ብነጻ ዘይምግላጽን፣ ናይ እምነትን ሓርነትን ምስኣኑ ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባ ኢዩ።
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ክብረት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ይገሃስ ኣሎ። ኤርትራዊ ይጽረፍ፣ ይህረም፣ ይጭወ፣ ይደሚ፣ ይቕተል፣ ንብረቱ ይራሰ ይዋረድ ኣሎ። ነዚ ዓይነተ ብዙሕ በደላት’ዚ ዝፍጽም ዘሎ ከኣ ኤርትራዊ’ዩ። ዘስካሕክሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመሉ ዘሎ ሃገርን ቦታን’ውን ኣብ ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ኤርትራ’ዩ።
Read more: ኤርትራውያን ዘንድድ ዘሎ ፖለቲካዊ እቶን፡ መሰረቱ ውሽጣዊ ‘ምበር ግዳማዊ ኣይኮነን
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ ነጻ ተመክሮኡ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ባህሪኡ’ዩ ዘለዎ? ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ’ዩ? ፈራሕ ጨካን ፋሽሽታዊ ተግባሩ ካበይ ይብገስ? ግቡእ ኣገንዝቦ ኣብ ዝሓዘሉን ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ትካላቱ ንምውጋዱ ውዳቤታቱ ኣብ ዘሐይለሉ ዘሎ ወሳኒ ወቕቲ ደው ኢሎም ሓቂ ክቕበሉ ድልዋት የለውን።
Read more: ካብ ምሁር መሃይም፡ ካብ ተጋዳላይ ድሑር ምዃን ይሰውረና፡- ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል
- Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ምሁር ዝብል ኣምር ከም ኣምር ብህዝብታት ኤርትራ ዝወሃቦ ናይ ክብሪ ሚዛን ዝለዓለ’ዩ። ኣብ ክልኦት ህዝብታት’ውን ተመሳሳሊ ቦታ’ዩ ዘለዎ። ህዝብታት ኤርትራ ንትምህርቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህግን ንምሁር ዝህብዎ ናይ ክብሪ ሚዛንን ከኣ፡ ካብ ሰናይ ድሌት ዝብገስ ኣድናቖትን ክብርን ዘይኮነስ፡ ትምህርትን ምሁርን መፍትሒ ጸገም ዝኸውን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ሓደሽቲ ነገራት ንምምሃዝ ዘኽእል መሳርሒ’ዩ ካብ ዝብል ቅኑዕ ርድኢት ዝብገስ’ዩ። ሰብ ክመሃር ከመራመር ኣለዎ፡ ምሁር ድማ ዝግበኦ ምሁራዊ ሞያዊ ክብሪ ክረክብ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ፊደል ዝቖጸረ (ምሁር) ካብ’ቲ ዘይተማህረ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ፍልልይ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን።
- ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 2ይ ክፋል
- ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣነኸ ንሕናኸ? ኢልና ናብ ውሽጥና ክንርኢ ‘ምበር፡ ብንሕና ንሓይሽ ነብስና ከነታልል ኣይግባእን።
- ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 1ይ ክፋል
- ኣብ ጎረባብትና ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ኣነኸ ንሕናኸ? ኢልና ናብ ውሽጥና ክንርኢ ‘ምበር፡ ብንሕና ንሓይሽ ነብስና ከነታልል ኣይግባእን።
- ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 1ይ ክፋል
- ሓሲኻ ህዝቢ ምንድንጋር፡ ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል፡-
- ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ መርኣያ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ።